ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ

መመሓደሪ ሕጊ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደን ስሩዕ ትምህርትን

መእተዊ

ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደን ሓገዝ ስሩዕ ትምህርትን ን25 ዓመታት ብማሕበር መማህራን ተመስሪቱ ኪኸይድ ጸኒሑ። ንዝጸንሐ ዓወታት ብምዕቓብ ንቕድሚት ንምስጓም ምእንቲ ክከኣል፡ ሓደ ኸስርሕ ዝኽእል ጽብብ ብዝበለ ኣወዳድባ ስለዘድለየ እዚ ሕጊ ምሕደራ ብ2012 ተዳልዩ። ካብ 2012 ክሳዕ 2018 ቤት ትምህርቲ ብቦርድ ክመሓደር ጸኒሑን ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ተሞክሮ ኣጥሩዩን። ካብ`ዚ ተሞክሮ ተበጊሱ፡ብመሰረት ሕጊ ቤት ትምህርቲ ዘፍቅዶ፡ መማሓደሪ ሕጊ ቤት ትምህርቲ ዘድሊ ምምሕያሽ ኣብ 2018 ተገይሩሉ። ኣብ ተዋሳእቲ ኣካላት፡ ማለት ማሕበረሰብን፡ ወለዲን፡ መማህራንን ዝተገብረ ምቅይያራት የሎን። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ናይ ስራሕ ዝምድና ብዝበለጸ ተነጺሩ።
ንጹር ናይ ስራሕ ሰንሰለትን ምምቕቓል ስራሕን ብምፍጣር፡ ንነፍሰወከፍ ተዋሳኢ ኣካል ዘሎ ጸፍሒ ሓላፍነት ብንጹር ከምዝፈልጥ ተገይሩ። እዚ መማሓደሪ መምርሒ`ዚ፡ ማዕባልን መድረኽ ዝጠልቦን ኩነታት ንኸማልእ ዝልውጥን ሰነድ እዩ። ምእንቲ ምስ ግዜ ክምዕብል፡ ዓመታዊ ገምጋም ይግበረሉ። ክለሳ ናይ`ዚ ማኑዋል ክግበር ዝከኣል ካብ ተዋሳእቲ ዝእከብ ጠለብ ብማሕበርሰብ ምስዝጸድቕ ጥራይ`ዩ። ተዋሳእቲ ንኽለሳ ዝሓትት ብቑዕ ምኽንያታት ዝሓዘ ናይ ጽሑፍ ርእይቶ ናብ ማሕበረሰብ የቕርቡ። 

ክፋል 1

1 ስም ቤት ትምህርቲ

ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ – ኤርትራ።

2 ዕላማታት ቤት ትምህርቲ

1. ኤርትራውያን ህጻናት ቋንቋ ኣዲኦም ክሰምዑን ክዛረቡን ክጽሕፉን ከንብቡን ንኽኽእሉ ምምሃር።
2. ምልላይ ሓድሕድ፡ ምሕያል መንነትን ምኹስዃስ ርእሰተኣማምነትን።
3. ደገፍ ስሩዕ ትምህርቲ (Leksehjelp) ንኹሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ተማሃሮ ምሃብ።
4. ኣብ ካልኣይ ደረጃ፡ ንፈተና ዝዳለው ተማሃሮ ምምሃራን ምሕጋዝን።

3 ምጅማር ትምህርቲ

1. ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ክማሃሩ ወይ`ውን ሓገዝ ስሩዕ ትምህርቲ (Leksehjelp) ንዝደልዩ ቤት ትምህርቲ ክፉት እዩ።
2. ትምህርቲ ዝጅምር ቆልዓ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ነርውጅያን ስሩዕ ትምህርቲ ዝጀመረ ጥራይ ይኸውን።
3. ሓደስቲ ተማሃሮ ኣብ ወርሒ ጥሪን ነሓሰን ነፍስወከፍ ዓመት ጥራይ ግብኦም ብምምላእ ክጅምሩ ይኽእሉ።

 4 ክፍሊት ኣገልግሎት

1. ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ካብ መኽሰብ ነጻ ዝኾነ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዘገልግል እዩ።
2. ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ቐጻልነት ትምህርቲ ንምርግጋጽን ዘሎዎ ወጻኢታት ንምሽፍናን ክፍሊት ሰሚስተር ይሰልዕ።
3. ኣብ ክፍሊ ክምሃር ዝፍቐዶ ተማሃራይ ነዚ ክፍሊት ሰሚስተር እንተደንጎየ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ ቐዳማይ ሰሚስተር ኣብ ወርሒ ጥሪ ድማ ናይ ካልኣይ ሰሚስተር ምስዝኸፍል ጥራይ እዩ።
4. ካብ`ዚ ክፍሊት ወጻኢ ናይ ዓይነት ወይ`ውን ገንዘባዊ ወፈያ ንሽማግለ ወለድን ማሕበረሰብን ኣፍልጦ ተዋሂቡ ክርከብ ይክኣል።
5. ዝኾነ ትርፊ ኣታዊ ምስዝርከብ፡ ኣብ መዓላ ቤት ትምህርትን ተማሃሮን ይውዕል። ንኣብነት ንዙረት ተማሃሮ።

ክፋል 2

ተዋሳእቲ ኣካላትን ንጥፈታቶምን

1 ማሕበረሰብ ኤርትራውያን

እዚ ማሕበር እዚ ኮም ዚሰረቱ ኤርትራዊ ማሕበር ኮይኑ ላዕለዋይ መራሒ እዚ ቤት ትምህርቲ እዩ። ወናኒ ቤት ትምህርትን ዝለዓለ ስልጣን ዘሎዎን ዋሕስን ቤት ትምህርቲ እዩ። እዚ ዝስዕብ መዝነት ይህልዎ።

1. መምሃሪ ቦታ የውሕስ፡ ዝኾነ ዓይነት ንምስትምሃር ዘጎናድብ ዕንቅፋታት ይኣሊ።
2. ንቤት ትምህርቲ ምምዕባል ዝውዕል ሓገዝ የናዲ።
3. ፊናንሳዊ፡ ሞራላዊ፡ ንዋታዊን ሓገዛት ንቤት ትምህርትን፡ መማህራንን ተማሃሮን ይህብ።
4. ኣብ ስሩዕ ኣኼባታት ተረኺቡ ጸብጻብ ቤት ትምህርቲ ይቕበል (ክፋል 3 ቁጽሪ 2 ተመልከት)።
5. ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ህጹጽ ኣኼባ ቤት ትምህርቲ ይጽውዕ።
6. ብመገዲ ተቖጻጸርቲ ሕሳብ ማሕበረሰብ፡ ሕሳብ ቤት ትምህርቲ ይቆጻጸር።
7. ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓደጋን ሕንፍሽፍሽን ምስዝወድቕ ወይውን ሽማግለ ቤት ትምህርቲ ብግቡእ ምስዘይሰርሕ፡ ኣድላዪ ዝበሎ ስጉምቲ ክወስድ ገደብ ዘይብሉ ምሉእ ስልጣን ኣለዎ።

2 ሽማግለ ወለዲ

ሽማግለ ወለዲ ሓሙሽተ ዝኣባላታ፡ ካብ ወለዲ ተመሪጻ ንክልተ ዓመት እተገልግል ኣካል ኮይና፡ ካብ ሕግን መንፈስን ማሕበረሰብ ከይወጸት ንኩሉ ምምሕዳራዊ ሸነኻት ቤት ትምህርቲ ተካይድ። እዚ ዝስዕብ መዝነት ይህልዋ።

1. ሕሳብ ቤት ትምህርቲ ትከታትልን ግቡእ ጸብጻብ ተቕርብን። ፍሉይ ቁጽሪ ሕሳብ ኣብ ትሕቲ ማሕበረሰብ ተገይሩሉ፡ ብሽማግለ ወለዲ ይንቀሳቐስ።
2. ካብ ዋና ቤት ትምህርቲ ዝጥለብ ክንክንን ሓለዋን ቤት ትምህርቲ ትሰርዕ።
3. ምዕጻው ቤት ትምህርትን ዙረት ተማሃሮን ካልኦት ተመሳሳሊ ንጥፈትታን ተወሃህድ።
4. ንትምህርቲ ዘማዕብል ፕሮጀክታት ተካይድ።
5. መማህራን ትቖጽርን ተሰናብትን።
5.1 ሓድሽ መምህር ምስ ዳሬክተር ኮይና ተዘራርብ።
5.2 ቅድሚ መምህር ምቑጻር ወይ`ውን ምስንባት፡ 10 መዓልቲ ኣቐዲሙ ንማሕበረሰብ ብጽሑፍ ተፍልጥ።
5.3 ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጢ’ዚ 10 መዓልቲ ዘሎዎ ደገፍ ወይ ተቓውሞ የፍልጥ።
5.4 ማሕበረሰብን ሽማግለ ወለድን ኣብ ስምምዕ ምስዝበጽሑ፡ መምህር ይቑጸር ወይ`ውን ይሰናበት።

5.5 ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጢ`ዚ 10 መዓልቲ መልሲ እንተዘይሂቡ፡ መምህር ይቑጸር ወይ`ውን ይሰናበት።

5.6 ድሕሪ ናይ 4 ሰሙን ናይ ፈተነ ግዜ፡ ንዝተቖጸረ መምህር ናይ ሓደ ዓመት ኮንትራት ኣፈሪማ ኮንትራት ናብ ማሕበረሰብ ትሰድድ።
5.7 ዝሰናበት መምህር ቅድሚ 4 ሰሙን ብጽሑፍ ይሕበር።
5.8 መምህር ብገዛእ ፍቓዱ ክሰናበት ምስዝደሊ ብጽሑፍ ቅድሚ 4 ሰሙን ይሕብር።
6. ስሩዕ ኣኼባታት ወለዲ ብምጽዋዕ (እንተወሓደ ክልተ ኣብ ዓመት) ንወለዲ ዘድሊ ጸብጻብን ሓበሬታን ተቕርብ።
7. ሓደ ኣባል ሽማግለ ወለዲ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንስራሕ ሽማግለ ወለዲ ዝዕንቅጽ ተግባራት ምስ ዘዘውትር፡ሽማግለ ወለዲ እቲ ጉዳይ ናብ ኣኼባ ብምውራድ፡ ኣኼባ ወለዲ ክሳዕ ምቕያር እቲ ኣባል ይውስን።

3 ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ

ዳሬክተር ሓደ ካብ`ቶም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ምምህርና ዝርከብ እዩ። እዚ ዝስዕብ መዝነት ይህልዎ፡
1. ዓመታዊ ጸብጻብ ቤት ትምህርቲ የቕርብ።
2. ዓመታዊ ውጥን ቤት ትምህርቲ የዳሉ።
3. ምምዕባል ካሪክለምን ካልእን ክውድብ ኪኢላታት ክውከስን ከሳትፍን ይኽእል።
4. ሓድሽ ተማሃራይ ዘድሊ ቅጥዒ ኣማሊኡ ንኽጅምር ይቕበል።
5. ስራሕ መማህራን የዋሃህድን ይመርሕን።
6. ዘድሊ ክኢላዊ ዓቕሚ ብምዕዳም ተግባራዊ ዝኾነ መምርሒታት የውጽእ። ንኣብነት ምድላው
ካርክለም፡ ገደብ ብኩራት ተማሃራይ፡ መምሃሪ ዝኸውን መጻሕፍቲ ይመሚይን የቕርብን፣ ብዝሒ ተማሃሮ ንሓደ መምህር ምውሳን፡ወ.ዘ.ተ
7. ወለዲ ንኣኼባ ጸዊዑ፡ ዘድሊ ሓበሬታ ቤት ትምህርቲ የማሓላልፍ።
8. መምህር ምስዘበኩር፡ ግዜያዊ መምህር ከም ኣድላይነቱ ይጽውዕ።

4. መማህራን

መማህራን እቶም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ምምሃር ዝርከቡ ኣካላት እዮም። ሓደ መምህር እዚ ዝስዕብ ከማልእ ይግባእ።
1. ተማሃሮ ተቐቢሉ መደብ ሰሪዑ ይምህር።
2. ኩሉ ኣብ ኖርወይ ብመምህር ዝሰዓብ ስነምግባር ብዝተኻእሎ መጠን ዓቕሙ ብዘፍቅዶ የተግብር።
3. ዳሬክተር ቤት ትምህርቲ ብዘውጸኦ መምርሒ መሰረት ስርሑ የተግብር።

5 ወለዲ 

ውላዱ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝልኣኸ ወላዲ ናይ ሰሚስተር ግቡኣት ምስ ዘማልእ ጥራይ`ዩ መሰላት ዝህልዎ። ወለዲ ንክልተ ዓመት ዘገልግሉ ሽማግለ ወለዲ ይመርጹ። ንሕሳብ ቤት ትምህርቲ እትቆጻጻር ሰለስተ ዝኣባላታ፡ ንክልተ ዓመት እተገልግል ኮሚቴ ይመርጹ። ሓደ ወለዲ እዚ ዝስዕብ ከማልእ ይግባእ።
1. ተማሃሮ ደቆም ንትምህርቲ ድልዋት ኮይኖም ከምዝመጹ ምግባር።
2. ኣብ ገዛ እኹል ሓገዛት ብምግባር ቋንቋ ኣደ ንኽዛረቡ ምትብባዕን ዕዮ ገዛ ምስራሕን።
3. ብኩራት ምስዝህሉ ንመምህር ምሕባር።
4. ኣብ ቤት ትምህርቲ ንጡፍ ተዋስኣይ ምዃን።
5. ክፍሊት ሰሚሰተርን ካልኦት ወፈያታትን ግቡኣትን ኣብ ግዜኡ ምኽፋል።
6. ብመምህር ኣብ ዝግበር ቖጸራ ገምጋም ብዕቱብ ምክትታልን ብመምህር ዝወሃበካ ድኽመት ተማሃራይ ንምውጋድ ምጽዓር።
7. ምስ ውላድካ ንኣሽቱ ጽሑፋት ሓቢርካ ምንባብን፡ ውላድካ ንከንብብ ምትብባዕን።
8. ኣብ ኣኼባ ወለዲ ብዕቱብ ምስታፍ፡ ሃናጺ ርእይቶ ምቕራብ፡ ክሰርሑ ዝኽእሉን ድሌት ዘሎዎምን ሰባት ናብ ሽማግለ ወለዲ ምምራጽ።
9. ብሽማግለ ወለዲ ኣብ ዝዳሎ ንጥፈታት ምክፋል፡ ንኣብነት ጽሬት ቤት ትምህርቲ።
10. ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከጋጥሙ ይኽእሉ። ንኣብነት ምንዳድ ሓዊ፡ ሓደጋ፡ ባእሲ ኣብ ሞንጎ ተማሃሮ፡ ምስ መምህር ዘይምርዳዳእ ወ.ዘ.ተ። ቤት ትምህርቲ፡ ቆልዑት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ስለዘይብሉ፡ ንቆልዑት ከጋጥም ዝኽእል ጸገማት ተሓታቲ ኣይኮነን። ሓላፍነት ምሕላው ቆልዑት ሙሉእ ብሙሉኡ ኣብ ኢድ ወላዲ እዩ። ስለዚ ነፍሰወከፍ ወላዲ ኣብ ቤት ትምህርቲ መጺኡ ኩነታት ውላዱ ክከታተል ይግባእ። ነዚ`ሉ ዝተዳለወ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣሎ።
11. ኣብ ሞንጎ ቆልዑት ባእሲን ካልእ ጸጋማት ምስዘገጥም ወለዲ ክልተኦም ቆልዑ ተራኺቦም ብሓባር ተዛትዮም ጸገም ደቆም ክፈትሕዎ ይግባእ። እቶም ቆልዑት ዝተፈላለይ ባህርያት ስለዘሎዎም ማንም ወላዲ ንውላዱ ድኣ`ምበር ንውላድ ኻልእ ክገንሕ ኣይፍቀድን እዩ።

6 ተመሃራይ

ትምርህቲ ቋንቋ ኣደ ንክማሃር ይኹን ሓገዝ ስሩዕ ትምህርቲ ንኽወስድ ዝመጸ እዩ።

7 መወልቲ

መወልቲ መበቖሎምን ቦትኦምን ብዘየገድስ ብገንዘብ ይኹን ብንዋት ንዕቤት ቤት ትምህርቲ ዝሕግዙ ውልቀ ሰባት፡ ማሕበራት፡ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ኮይኖም ኣብ ምሕደራ ቤት ትምህርቲ ቐጥታዊ ርክብ ኣይህልዎምን። ኣምሳያ ናይ ዘበርክትዎ ሓገዝ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ነገር ክሓቱ መሰል የብሎምን። እንተኾነ ግን ናይ ዝመወልዎ ገንዘብ መዓላ ከምኡ`ውን ናይ ዝሓገዝዎ ንብረት ኣጠቓቕማ ንማሕበረሰብ ክሓቱ ይኽእሉ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ንመሸጣ ዝመጽእ ነገራት ብመጀመርታ ናብ ሽማግለ ወለዲ ክቐርብ ይግባእ። ንተማሃሮ ዝሕግዝ ነገራት ምስዝኽውን ብፍቓድ ሽማግለ ወለዲ ይሽየጥ። ካብ`ዚ ወጻኢ ዝኾነ ይኹን መሸጣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክካየድ ክልኩል እዩ።

ክፋል 3

ንጹር ሰንሰለትን ምምቕቓልን ስራሕ ምህላው ኣብ ኣሳልጦ ስራሕን ምዕባለን ወሳኒ ተራ ኣሎዎ። ነፍሰወከፍ ኣካል ዘሎዎ ጸፍሒ ሓላፍነት ብንጹር ክፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዘየድሊ ናይ ስራሕ ምትእትታውን ምትሕልላኽን ግርጭትታን ይእለ፡ ነፍስወከፍ ኣካል ድማ ሓላፍነቱ ፈሊጡ ኣበርክትኦ የዕዝዝ፡ ቤት ትምህርቲ ድማ ኣቃልብኡ ናብ`ቲ ቀንዲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ኣተኲሩ ስርሑ የሰላስል።

ሰንሰለት ስራሕን ዝምድና ተዋሳእትን ከም`ዚ ዝስዕብ እዩ።

1 ቅርጺን ውዳበን ኣካላት ቤት ትምህርቲ

Vedtekter

1. ሓደ ኣካል ንልዕሊኡ ዘሎ ኣካል ተሓታቲ እዩ።
2. ሓደ ኣካል ክፈትሖ ልዕሊ ዓቕሙ ንዝኾነ ጉዳይ ንልዕሊኡ ዘሎ ይውከስ።
3. ሓደ ኣካል ንልዕሊኡ ዘሎ ኣካል ተወኪሱ መፍትሒ ምስዘይረክብ፡ ነቲ ስዒቡ ዘሎ ላዕላዋይ ኣካል ይውከስ። ከም`ዚ እናበለ ክሳዕ ማሕበረሰብ ክበጽሕ ይኽእል።
4. ንሓድነት ተዋሳእቲ ወይ`ውን ህላወ ቤት ትምህርቲ ዝፈታተን ኩነት ምስዝፈጠር፡ ማሕብረሰብ ነዚ ቅርጺ ጥሒሱ ስጉምቲ ክወስድን ብዘይገደብ ምስ ተዋሳእቲ ክራኸብን ይኽእል።

2 ፍሉይ ርክባት ተዋሳእቲ

ብዘይካ`ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሰንሰለታዊ ርክባት ስራሕ፡ ተወሳእቲ ብኸም`ዚ ኣገባብ ይራኸቡ።
1. ማሕበረሰብን ሽማግለ ወለድን መምሃራንን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ናይ ሓባር ኣኼባ የካይዱ። ቀዳማይ ኣኼባ ኣብ ግንቦት እንተዶንጎየ ኣብ ሰነ ኮይኑ ዓመታዊ ጸብጻባትን ሕሳብን ውጥንን ይቐርብ። ጸብጻብ ቤት ትምህርቲ ብሽማግለ ወለድን ብዳሬክተርን ይቐርብ። ካልኣይ ኣኼባ ኣብ ሕዳር እንተደንጎየ ኣብ ታሕሳስ ኮይኑ፡ ኩነታት ቤት ትምህርቲ ዝድህስስ ኣፋዊ ርክብ እዩ።
2. ብዘይካ`ዚ ስሩዕ ኣኼባታት፡ ህጹጽ ጉዳይ ምስዝርከብ ተዋሳእቲ ህጹጹ ኣኼባ ክጽውዑ ይኽእሉ።
3. ኣብ ግዜ ገምጋም ትምህርቲ መማህራንን ወለድን ተማሃሮን ይራኸቡ።
4. ወለዲ ንውላዱ ዝምልከት ጉዳይ ቀጥታ ምስ መምህር ተራኺብ ይዘራረብ። መፍትሒ ምስዘይረክብ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ዳሬክተር የመሓላልፎ። ኣድላይነቱ ተራእዩ፡ በመገዲ ሰንሰለት ስራሕ ኣቢሉ ናብ ዝለዓለ ኣካል ከብጽሕ ይኽእል።