ብዛዕባና
ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ ሉትቫን
ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ ኣብ ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ዝርከብ ከይኑ ናይ ልዕሊ 30 ዓመታት ዕድመን ተመክሮን ዘለዎ ቤት ትምህርቲ እዩ፣፣ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብልዕሊ 200 ዝኾኑ ተማሃሮን ልዕሊ12 ቀወምትን ተሓጋገዝትን መምሃራን ከምኡ’ ውን ብኮሚቴ ወለድን ዝቆመ ቤት ትምህርቲ እዩ፣፣ እቲ ቀንዲ ወናኒ ቤት ትምህርቲ ማህበረሰብ ኤርትራውያን ኮይኑ፣ ኣብ ትሕቲኡ ኮይኖም ድማ መማህራንን ዳይርክተር ቤት ትምህርትን ኮሚተ ወለድን ብሓባር ይሰርሑ፣፣ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኤርትራውያን ንኹሎም ግዱሳት ወለዲ ደቆም ብቋንቅኦምን ባህሎምን ተሃኒጾም ንኽዓዩ ዝደልዩ ክፉት ኮይኑ፣፣ ንኹሎም ህጻናት ዕድል ንክኸፍት’ውን ብዙሕ ጻዕርታት የካይድ ኣሎ፣፣ እዚ ቤት ትምህርቲ ኣብዚ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ንኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምቅጻል ንቋንቋ ትግርኛ ከም ባዕዳዊ ቋንቋ ንምውሳድ ውን ሓገዝ ይህብ፣ ከምኡ’ ውን ንዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ (Leksehjelp) ይህብ፣፣
እዚ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣገልግሎት ዝህብ ኮይኑ፣ ብጀካ እቶም ዓበይቲ ዓመታዊ በዓላት፣ ኩልግዜ ቀዳም ቀዳም ካብ ሰዓት 11:00 ክሳብ ሰዓት 13:00 ቋንቋ ኣደ ብትግርኛ ኣገልግሎት ይህብ፣፣ ሕጂ’ውን ኣብ ቀጻሊ ምዕባይን ምምሕያሽን ይርከብ፣፣
ቤት ትምህርቲ ቛንቛ ትግርኛ
ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ሓበሬታ ተጠቒምኩም ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።
መወከሲ
- 97383106 ዳይረክተር ቤት-ትምህርቲ
- eriskoleoslo@gmail.com
ኣድራሻና
-
Dr. Dedichens vei 75, 0675 Oslo
- Lutvann Skole
ሰዓታት
- ቀዳም ቀዳም ካብ ሰዓት 11:00 - ሰዓት 13:00